29/05/2023
‼"ንትሑት ደረጃ ንቅሓት ዘለዎ ሕብረተሰብካ፣ ገዛእ ርእስኻ ብምንቃሕን ብኹሉ ዓቅምኻ ክነቅሑሉ ዝኽእሉ መንገዲ ብምፍጣርን እምበር ሓደ ካብኣቶም ኮይንካ ንዐኦም ከተማርር ብምውዓል ክትቅይሮም ኣይትኽእልን ኢኻ።"
"ንድኻታት ንስኻ ሃፍታም ብምዃን እምበር ሓደ ካብኣቶም ብምዃን ናይ ገንዘብ ሽግሮም ዝፈትሑሉ መንገዲ ክትሕብሮም ኣይትኽእልን ኢኻ።"
"ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ክጻረፉን መርዛም ሓሳባት ክነዝሑን ንዝውዕሉ ሰባት፣ ንስኻ ናብ ደረጅኦም ወሪድካ፥ ወርቃዊ ግዜኻ ሰዊእካ ንዐኦም ክትዕዘብ ብምውዓል ክትቅይሮም ኣይትኽእልን ኢኻ። እዞም ሰባት ኣተኩሮኻ ኢዩ ሓይሎም። ስለዝኾነ፣ ኩሉ ሰብ ሓላፍነት ወሲዱ ርእሱ ኣብ ምንቃሕ፥ ነብሱ ክጠቅሞ ካብ ዘይክእል ሓበሬታ ኣብ ምክልኻል ምስተጸመደ ጥራይ ኢዮም ኣተኩሮ ስኢኖም ብፍቃዶም ገዛእ ርእሶም ክቅይሩ ወይ ድማ ድንቁርንኦም ሒዞም ክሕብኡ ዝኽእሉ። ምኽንያቱ እቲ ሓቂ ዝገበርና እንተገበርና ሰባት ፍቃደኛታት ክሳብ ዘይኮኑ ክንቅይሮም ኣይንኽእልን ኢና"
"ንሰባት ሂወቶም ክቅይሩሉ ዝኽእሉ መንገድን ጥበብን ጥራይ ኢኻ ከተርእዮም ትኽእል። ነቲ መንገዲ ሒዝካ ናይ ምጉዓዝን ዘይምጉዓዝን ውሳኔ ግን ባዕሎም ጥራይ ኢዮም ዝውስንዎ።"
ብዛዕባ ሕብረተሰብካን ከባቢኻን ከተማርር ክትጅምር ከለኻ፣ ኣነ ሓደ ካብኣቶም ድየ? ኢልካ ንነብስኻ/ኺ ሕተታ።
ነቲ ተማርረሉ ዘለኻ ነገር መመሊሱ ንኽዓቢ ጊዜኻን ኣተኩሮኻን ብምሃብ ተተባብዖ ከይትህሉ ድማ ኣስተብህል።